70 ካሬ- 70 kare

70 ካሬ- 70 kare ኩነታት 70 ካሬ ኣብ ትግራይ

ፍትሒ ተደራራቢ ወፅዓ ይበፅሖም ንዘለዉ ኣባላት 3ይ ዙር 70 ካሬ።

ዒድ ሙባረክ ንኩልኩም ኣባላት 3ይ ዙር 70 ካሬ
18/03/2026

ዒድ ሙባረክ ንኩልኩም ኣባላት 3ይ ዙር 70 ካሬ

14/03/2026



ሰላማት ኣባላት 3ይ ዙር 70 ካሬ ከመይ ቐኒኻቱም። ብዙሕ ግዜ እዚ ሕቶ መንበሪ ገዛ ንምንታይ መልሲ ከምዘይረክብ፣ ብፍለይ ነዚ ናይ ኹሉ ኣባል ሕቶ መፍትሒ ንክረክብ ንዝምልከቶ ኣካል ብቐፃልነት ክቕስቕሶን ወይ ደማ እዚ መሰረታዊ መሰል መንበሪ ገዛ ናይ ምርኻብ ሕጋዊ ኸይዲ ዘይፍታሕ እንተኾይኑ ከም ኣባላት ክንወስዶ ዝግበአና መርገፅን ኣመልኪቱ ኣመራርሓ ጥምረት ዝኸኣልናዮ ኹሉ እናፈተና ኢና ንርከብ።
መቐፀልታ ናይቲ እነቕርቦ ዘለና ሕቶ ምስ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ እነካይዶ ዘለና ዘተ ሎሚ ዕለት 5/7/2018 ዓ/ም እውን ብዛዕባ ኹነታት ዕቋርናን እቲ ዝተወደብናሉ መንበሪ ገዛ ናይ ምውናን ዓላማ ንክዕወት ከም ተጠቀምቲ እዚ መርሃ-ግብርን ብወገን ደደቢትን ሓቢርና ክንሰርሖ ኣብ ዝግቡእና ቁምነገራት ኣስፊሕና ዘቲና።
ልክዕ እዩ እንትርፊ ኹሉ ግዜ ሰብሰባ ን ኹሉ ግዜ ዘተ ኣካይድናን ካብ ምባል ወፃኢ ንዝሓለፉ 3 ዓመታት አዚ ጥምረት ካብ ዝምስረት ዋላ ሓንቲ ጥር እትብል መፍትሒ ዘይተምፅኡ ኢኹም እናበልኹም ሓሳባትኹም ብተደጋጋሚ ትገልፁ ኣባላት ብዙሓት ኢኹ።
ይኹን እምበር ዓቕሚ ኣመራርሓ እዚ ጥምረት ድሩት እዩ ኢልኹም እተኣምኑ ኣሕዋትና ኣገደስቲ መፍትሒ ሓሳባት ክተካፍሉና ትኹእሉ ኢኹም።
ሎሚ ካብ ዝነበረና ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ከም ዝተረደአና ግን ኣብ ደደቢት እንገብሮ ዝፀናሕና ዕቋር ብዘይምቁርራፅ ምዕቛር ከምዘድልን ብፍላይ ካብ ደደቢት ወፃኢ ኣብ ኻልኦት ባንኪታት ተዓቕሩ ዘለኹም ማሕበራት ብኣንፃር ናይ ኣባላትኹም ክተረጋግፅዎ ዝድለ ረብሓ ደጊምኹም እንተትሪእዎ ፅቡቕ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለና።
ብፍላይ ኣቱም እቲ ዝግበአኩም መሬት ብእዋኑ ብዘይምርኻብኹም እቲ ዕፃ እትሸጡ ዘለኹም ኣሕዋት እዚ ዕፃ ካብ ምሻጥ ሓቢርኻ ምቅላስን ድፍኢት ምግባርን ዝሐሸ ክኸውን እዩ።
ብዝተረፈ ይጠቅም እዩ እንብሎ ሓበሬታ ክነካፍለኩም ከምቲ ሉሙድ ኣለና ኢና።
ሰሰናዩ ይፅነሐና!

እንታይ ዝብልዎ double standard እዩ እዚ ግን🤔?ምምሕዳር ከተማ መቐለ ግን ናይ ልዕሊ 64ሽሕ ሕቶ ነባራይኩም ብፍፁም ድዩ ዘይስመዐኩም🤔🤔🤔መሕዘኒ እዩ🤔 እሞ ድማ ዝተኽሓሰ መሬት እዩ...
19/02/2026

እንታይ ዝብልዎ double standard እዩ እዚ ግን🤔?

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ግን ናይ ልዕሊ 64ሽሕ ሕቶ ነባራይኩም ብፍፁም ድዩ ዘይስመዐኩም🤔🤔🤔መሕዘኒ እዩ🤔 እሞ ድማ ዝተኽሓሰ መሬት እዩ ዘይብለይ ዝብል ምኽንያት እናቕረብካ ትስማዕ ብኸምዚ ድማ መሬት ክሽየጥ ይርአ???? እዚ ፍፁም ኢ-ፍትሓዊ ኣብ ዜጋታትካ ግልፂ ዝኾነ ኣፈላላይ ምፍጣር እዩ።

16/02/2026

➥ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እቲ ከተማን ክልልን ብምዃን ኣብ ጉዳይ #3ይ ዙር 70 ካሬ መንበሪ ኣባይቲ ብቕልጡፍ ዘላቒ መፍትሒ ክህበሉ ይግባእ።

ሓፈሻዊ ጉባኤ 3ይ ዙር 70 ካሬ ከተማ መቐለ ሎሚ ዕለት 30-05-2018 ዓ.ም ኣብ ኣደራሽ ቤተ ኣብረሃም ኣብ ምክያድ ይርከብ።
07/02/2026

ሓፈሻዊ ጉባኤ 3ይ ዙር 70 ካሬ ከተማ መቐለ ሎሚ ዕለት 30-05-2018 ዓ.ም ኣብ ኣደራሽ ቤተ ኣብረሃም ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ወረዳ ዛና
06/02/2026

ወረዳ ዛና

ናይ መቀለ ከንቲባ ግን ካብ ኣዳነች ብምንታይ ስለ ዝንእስ እዩ ናይ ህዝቢ ሕቶ ምምላስ ከቢድዎ መታሊ መልሲ ሂቡና ጠፊኡ።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገበርናዮ ሰላማዊ ሰልፊ ኩሉ ስራሕና ገዲፍና ምኳኑ...
05/02/2026

ናይ መቀለ ከንቲባ ግን ካብ ኣዳነች ብምንታይ ስለ ዝንእስ እዩ ናይ ህዝቢ ሕቶ ምምላስ ከቢድዎ መታሊ መልሲ ሂቡና ጠፊኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገበርናዮ ሰላማዊ ሰልፊ ኩሉ ስራሕና ገዲፍና ምኳኑ ፍሉጥ እዩ ግን መታለሊ መልሲ ጥራይ እዩ ተዋሂቡና።

ናይ ትግራይ መራሕቲ ጉባኤ ድሕሪ ጉባኤ እናበሉ ተሰክቲቶም ህዝቢ ብፈከራን ጉራን እናዓፈኑ ንድሕሪት እመበር ንቅድሚት ዘይፈልጡ ኮይኖምና እኮ።
04/02/2026

ናይ ትግራይ መራሕቲ ጉባኤ ድሕሪ ጉባኤ እናበሉ ተሰክቲቶም ህዝቢ ብፈከራን ጉራን እናዓፈኑ ንድሕሪት እመበር ንቅድሚት ዘይፈልጡ ኮይኖምና እኮ።

ሎሚ ሮቡዕ እዩ እሞ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣብ ጉዳይ ሕቶ   ካብ ሶኒ ክሳብ ሮቡዕ ኣብ ዘሎ ግዜ መልሲ ክህቡ ቃል ኣትዮም ኔሮም። ህዝቢ ናይ ምትላል ስራሕ ከይኮን እሞ ኣበይ በፅሐ? ፍትሒ ን...
04/02/2026

ሎሚ ሮቡዕ እዩ እሞ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣብ ጉዳይ ሕቶ ካብ ሶኒ ክሳብ ሮቡዕ ኣብ ዘሎ ግዜ መልሲ ክህቡ ቃል ኣትዮም ኔሮም።

ህዝቢ ናይ ምትላል ስራሕ ከይኮን እሞ ኣበይ በፅሐ?

ፍትሒ ን

ሽፋን ሚድያ
27/01/2026

ሽፋን ሚድያ

27/01/2026

ካብ ኣመራርሓ ጥምረት ማሕበራት 3ይ ዙር 70 ካሬ ዝተዉሃበ ህፁፅ ሓበሬታን ፃዉዒትን
=============================
ሰላማት ከመይ ውዒልኻቱም።
ኮምቴ ፈፃሚት ስራሕ ጥምረት ምስ ኣመራርሓ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ መሰረታዊ ዝበሃሉ ዛዕባታት ተነጋጊርና። በዚ መሰረት:-

1/ ከንቲባ ከተማ መቐለ ብኣባላት ቤት ምኽር ብዛዕባ 3ይ ዙር 70 ካሬ ዝቐረበ ሕቶ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መልሲ ከም መጠን ኣመራርሓ ኣብ ቅንዕና ዝተመስረተ መልሲ እዩ ኢልና ስለዘይንኣምን ኸሉ ኣባል 3ይ ዙር 70 ካሬ ከተማ መቐለ ብሓባር ኾይኑ ብኣካል ቐሪቡ ንክሓትት ከምዝኽእል ብምርድዳእ ዕለት 22/05/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ኣብ በሪ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኹሉ ኣባል ተረኺቡ ዘለውዎ ሕቶታን ፀጋማቱን ነቶም ከንቲባ ብኣካል ከቕርብ፣

2/ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንዕለት 30/05/2018 ዓ/ም ክኸውን ተወሲኑ ስለዘሎ ኹልኹም ኣቦ ወንበርን ም/ኣቦ ወንበርን ኣብዚ ዝተገለፀ ዕለት ኣብቲ ጉባኤ ንክትሳተፋ ካብ ብሕዚኡ ምድላዋት እናገበርኹም ክትፀንሑ፣

3/ ኻልኦት ብኣመራርሓ ጥምረት ኣብዚ ክልተ ሰሙን ክፍፀሙ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ኣንፈት ተዋሂቡ ኣሎ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ናይ ዕለት 22/05/2018 ዓ/ም ኣብ በሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኹሉ ንክርከብ እዚ መልአኽቲ share ብምግባር ኣባፅሑ።

ተወሳኪ ሓበሬታ
25/01/2026

ተወሳኪ ሓበሬታ

Address

ትግራይ
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when 70 ካሬ- 70 kare posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category