17/05/2024
ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብዚ ሰሙን ዘለዉኒ መደባት
ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ካብ ልቢ ዝፈትወኩምን ዘኽብረኩምን ክቡራት ተኸታተልተይ። ኣብ ዘዘለኹሞ ሰላምን ጥዕናን ይምነየልኩም። ንዝሓመምኩም ምሉእ ጥዕና፡ ንዝሓዘንኩም ምሉእ ምጽንናዕ፡ ንዝተጨነቕኩም መስተርሆት፡ ነቶም ህይወትኩም ክትቅይሩ ለይትን መዓልትን ትጽዕሩ ዘለኹም ድማ ዓወትን ኣሳልጦን እምነየልኩም።
እዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመት 2024 ካብ ትጅምር ኣትሒዘ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣስተምህሮታት ከካዪድ ከም ዝጸናሕኩ ኩሉና ንፈልጦ ነገር ኮይኑ፡ ዘቕርቦም ዘለኹ መደባት ካብ ምብዘሖም ዝተላዕለ ብዙሓት ሰባት መደባተይ ንምክትታል ትጽገሙ ትህልዉ ትኾኑ እሞ፡ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ናዚ ሰሙን እዚ መደባተይ ክሕብረኩም እፈቱ። ዝጥዕመኩም እንተ ኾይኑ ድማ፡ ኣብቲ መደባት ክትሓብሩና ብኽብሪ ክዕድመኩም እፈቱ።
ንዓርቢ 17/5/24 ኣብ ዙም ኣብ ምዕባይ መንእሰያት ዘጋጥሙ ብደሆታትን ንምፍተሖም ክንገብሮም ዘለና ቅድመ ምድላዋት ይኹን ኣብ ምዕባዮም ክንገብሮም ዘለና ነገራትን ድሕሪ ምሽፋን ንኽመሃሩ ተመዝጊቦም ዘለዉ ይኹን ሓደሽቲ ንዝምዝገቡ ትሕዝቶ ናይ ዝህቦ ናይ 6 ኣዋርሕ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኮርስ እውን ክገልጽ እየ።
ንቐዳም 18/5/2024 ድማ ብኣካል ኣብ ጀርመን ፍራንክፈርት ብዛዕባ ኣብ ምዕባይ ቈልዑ ዘጋጥሙና ብደሆታትን ክንገብሮም ዘለና ነገራትን ኣብ ቀዳማይ ክፋል ኣብ ካልኣይ ክፋል ድማ ሓፈሻዊ ሌላ ምስ እዛ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግሪኛ ዝተርጐምኩዋ መጽሓፍ ክዛረብ እየ።
ንሰንበት 19/5/2024 ድማ ንሓደሽቲ ዝተመዝገቡን ዝክምዝገቡ ዝደልዩን ናይ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ኮርስ መእተዊ ሓበሬታ ከም ትሕዝቶ ኮርስ፡ ክፍሊትን ክልኦት ነገራትን ከቕርብ እየ።
ሰኑይ ምሸት ካብ መገሻይ ዝምለሰሉ ስለ ዝዀነ ናይ ሰኑይ መደብ ነዛ ሰሙን እዚኣ ኣይህልወናን እዩ።
ንሰሉስ 21/5/21 ድማ ብዛዕባ ወፍሪ ኣብ ኣባይቲ ዘተኮረ ህዝባዊ ኣስተምህሮ ክህልወና እዩ። ኣብዚ መደብ እዚ ድማ፡ ናይ ወፍሪ ቅኒተ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ዘለዎም ባህርይ። ምስጢራት ሃብቲ ከምኡ`ውን ኣብዚ ወለድ ናይ ባንክታት ከቢሩሉ ዘሎ ግዜ መንበሪ ገዛ ይኹን ዝካረ ገዛውቲ ምግዛእ የዋጻኒ ድዩ ዝብሉ ኣርእስትታት ክንሽፍን ኢና።
ኣብዞም ኩሎም ብጻዕቂ ሰሪዐዮም ዘለኹ መደባት ክትሳተፉ ድማ ብኽብሪ እዕድመኩም።
ናይ ዙም መእተዊ፡
Join Zoom Meeting
https://us02web.zoom.us/j/87518011924…
Meeting ID: 875 1801 1924
Passcode: 031223
ብሰላም የራኽበና!
መምህር ተስፎም