God is Good.

God is Good. discussed bible

Permanently closed.
ዘፍጥረት 3 (Genesis)6፤ እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ምብላዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ፡ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት፡ ምስኣ ኸኣ ንሰብኣ...
20/10/2021

ዘፍጥረት 3 (Genesis)
6፤ እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ምብላዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ፡ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት፡ ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ፡ ንሱውን በልዔ።

መክብብ 7 (Ecclesiastes)9፤ ኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ።
13/10/2021

መክብብ 7 (Ecclesiastes)
9፤ ኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ።

08/10/2021
03/10/2021

✅"ሕልምታትካ ካብ ፍርሕታትካ ንላዕሊ ዝዓበዩ ክኾኑ ፍቀደሎም፥ ተግባራትካ ድማ ካብ ቃላትካ ንላዕሊ ድምጺ ክህልዎም ፍቀደሎም። "

✅"ንነብስኻ ከተኽብራን ከተፍቅራን ምስ ጀመርካ፥ ኣብ ከባቢ ዘየኽብሩኻን ዘየፍቅሩኻን ሰባት ምህላው ኣዝዩ ክኸብደካ ግድን ኢዩ።"

✅"ኣብ ናይ ሂወትካ ጉዕዞ ባዕልኻ ኣብ ናይ መዘወሪ ቦታ ኮፍ ክትብል ኣለካ፥ እንተዘይኮይኑ ንሂወትካ ኣጋጣሚታት ጥራይ ክዝዉሩዋ ኢዮም።"

✅"ሰባት ስለዝፈተዉኻ ኣመና ኣይትተሓጎስ፥ ስለዝጸልኡኻ ውን ኣመና ኣይትጉሀ። ምኽንያቱ ዝበዝሑ ሰባት ዝፈትዉኻን ዝጸልኡኻን፥ ኣብ ሓሳቦም ስለዝተሰማማዕካ ወይ ስለዘይተሰማማዕካ ጥራይ ስለዝኾነ።"

✅"ኣብዚ ድሌትካ ክትከውን ክትመርጸሉ ትኽእል ዓለም፣ ለዋህ፥ ፈቃር፥ ሕጉስ፥ ንነብስኻ ትመስል ሰብ ክትከውን ምረጽ"

✅"ንገንዘብ ተጠቀመሉ፥ ንሰባት ድማ ኣፍቅሮም። ብግምጣሉ ኣይትንበር....!!! ንሰባት እንዳተጠቀምካ፥ ንገንዘብ ኣይተፍቅር"

✅"ካብ ጸገማትካ ምህዳም፥ ፈጺምካ ክትስዕረሉ ዘይትኽእል ቅድድም ኢዩ።"

✅"ንሓደ ሓሶት ወይ ጌጋ ሓሳብ ደጋጊምካ ንሓንጎልካ እንተነጊርካዮ ወይ ደጋጊሙ ዝነግረካ ምንጪ እንተረኺብካ፣ ሓንጎልካ ሓሶት ድዩ ሓቂ ብዘየገድስ ክኣምኖን ብኡ መሰረት ክጎዓዝን ክጅምር ኢዩ።"


💖💖💖Have a blessed Sunday !!💖💖💖

03/10/2021

1ይ ዮሃንስ 5 (1 John)
4፤ ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ።
5፤ ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧

02/10/2021

ዘሁልቊ 23 (Numbers)
19፤ ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን። ከይጠዐስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶ፧ እተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧

Address

Manchester
M147

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when God is Good. posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share