Tesfu TgTg

Tesfu TgTg Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tesfu TgTg, Real Estate, San Francisco, CA.

12/08/2024
04/29/2024

::

👉 ኣብ ሰሙነ ሕማማት ቅዳሴ ኣይቅደስን እዩ ብዘይካ ሓሙስ ጽግቦ ስርዓተ ቅዳሴ ኣይፍጸምን እዩ።

👉ኣብ ሰሙነ ሕማማት ስርዓተ ጥምቀት ኮነ ስርዓተ ተክሊልን ካሊእ ምስጥራት ኣይፍጸምን እዩ።

👉ኣብ ሰሙነ ሕማማት ንዝሞተ ሰብ ፍትሓት ኣይግበረሉን እዩ። መዓስ ድኣ ይፍታሕ እንተ ኢልና ሰንበት ሆስኣና ቅድሚ ሕማማት ምእታዉ ናይ ኩሉ ስርዓተ ፍትሓት ይፍጸም፡ ንስሓ ወሲዱ ቆነና ዝተዋህበ ሰብ እንተ ሃሊዩ ውን በዚ ዕለት ፍትሓት ንኩሉ ይግበር ስለዚ ሰንበት ሆስኣና ከም ምካኑ መጠን ፍትሓት ውን ስለ ዝግበረልና ኩልና ቤተ ክርስቲያን ክንከይድ ይግባእ።
👉ኣብሰሙነ ሕማማት ንስሓ ኮነ ናይ ንስሓ ቆነና ኣይፍጸምን እዩ።

👉ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካህናት መስቀል ኣይሕዙን ብኢዶም ኮነ ብመስቀል ዉን ኣየሳልሙን እዮም።

👉ኣብ ሰሙነ ሕማማት ክንጽልዮ ዝግበኣና ጸሎት " መዝሙር ዳዊት 150 ምስ መሓሊየ መሓሊየ ዘሰለሞን ናይ ሰንበት ፡ ውዳሴ ማርያም ምስ ኣንቀጸ ብርሃን ይወድስዋን ናይ ሰሙን ምሉእ ኣቅሚ ተሃሊና ከነብጽሕ ይግባእ፡ኣብ ቤተ ክርስትያን ተኮይና ድማ ምስ ኣቦታት መዝሙር ዳዊትን ውዳሰ ማርያም ክዕድሉ ከለዉ ክንዕደል ክንሕግዞም ንክእል ኢና። ተወሳኪ ስለ ናይ ሕማማት ዝገልጽ መጽሓፍቲ ግብረ ሕማማት፡ ድርሳነ ማሕያዊ ብዓቢኡ ድማ ወንጌል ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ቤተ ክርስትያን ይንበቡ። ዘይነብጽሖም ድርሳናት ፡ገድላት ፡ስንክሳር ድና ኣይበጽሑን እዮም ኣብዛ ቅድስቲ ሰሙን ስለ ናይ ክርስቶስ መከራ ሕማሙን ጥራሕ እዩ።

👉 ኣብ ሰሙነ ሕማማት 21 በዓለ ማርያም፡ 12 በዓለ ሚካኤል፡ 29 በኣለ ወልድ (እዝግሔር) ዋላ እንተኮነ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ይስገድ እዩ ።

👉ኣብ ሰሙነ ሕማማት ደረቱ ዝሓለፈ ስሓቅን ጸወታታትን ኣይግባእን፡ ኣቡኡ ወይ ኣዲኡ ሞይቶሞ ኣብ ሰሓቅን ጸወታን ዝርከብ መን እዩ፡ እዚ ሕማማት ድማ ምእንታና ክብል ዝሓመመን ዝተሳቀየን ዝተሰቅለን ጎይታ እንዳ ዘከርና ከነስተንትን ምእንታና ዝረከቦ ስቅያት እንዳ ዘከርና ምእንታና ዝተገብረልና ዝተፈጸመልና ውዕለት ናይ ጎይታ ብምስትንታን ክንዝከሮ ይግባእ።

👉 ኣብ ሰሙነ ሕማማት ጾም ክሳብ ጸሓይ ትክወል ይብል ወይ ክሳብ ቤተ ክርስትያን ዝወደኣቶ ንጸውም ፡ዝከኣለ ድማ እክፍሎት (ጥልቀት) ክገብር ይክእል ኣክፍሎት ወይ ጥልቀት ማለት ድማ ሶኒ መግቢ ከይቀመሱ ሰሉስ ይምገቡ፡ ሰሉስ ዝበልዑ ክሳብ ሓሙስ ይጸንሑ፡ ሓሙስ ይምገቡ፡ ሓሙስ ተመጊቦም ድማ ክሳብ ቀዳም ይጸንሑ ቀዳም ናብ ሰንበት ዘውግሕ ትንሳኤ ድማ ይበልዑ ፡ ነዚ ኣክፍሎት ወይ ጥልቀት ዝጀመርዎ ቅድስት ድንግል ማርያምን፡ ቅዱስ ሓዋርያ ዮሓንስን ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብን ኢዮም። ጎይታ ካን ሞት ክሳብ ዝትንስእ እክሊ ኣይንጥዕምን ብምባል ዝጾምዎ እዩ። እዚ ግን ንዝኽእሉ ጥራሕ እዩ ዓቅምና ሪኢና ።

👉 ኣብ ግዜ ጾም ከምኡ ውን ኣብ ሰሙነ ሕማማት ሰብ ሓዳር ወይ መጻምድቲ ብምርድዳእ ናይ ክልቲኦም ካብ ስጋዊ ርክብ ክክልከሉ ይግባእ።
👉 ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብዙሕ ጸሎትን ብዙሕ ስግዳንን እንዳ ገበርና ፍቃድ ናይ ስጋና ነድክመሉ ካብ ኣምላክና ምሕረት ንረክበሉ ካብ ደዊየ ስጋ ደዊየ ነብሲ ንፍወሰሉ ካብ እግዝኣብሔር ጸጋ ንረክበሉ ሰመያዊ ምስጢራት እንርእየሉ ሱባኤ እዩ ስለዚ ኩሉ ተከታሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዘበለ ክጸውም ይግብእ፡ ብዘይካ ብከቢድ ሕማምን ካሊእ ምክኒያትን ብኣባት ነብሶም ዝተፈቀደሎም ተዘይኮይኖም ኩሉ ሰብ ክጸውም ይግባእ።

👉 ኣብ ሰሙን ሕማማት ዝፍጸሙ ያሬዳዊ ዜማ፡
ሶኒይ ሰሉስ ረቡዕ #ብግእዝ ፡
ሓሙስ #ብኣራራይ ፡
ዓርቢን ቅዳምን #ብእዝል እዩ።

👉 ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብኣቦታት ዝወሃበና 12 ኣቡነ ዘበሰማያት በሉ ክንበሃል ከለና 12 ግዜ ኣቡነ ዘበሰማያት 41 ኪራላይሶን ስግዳን ክብሉና ከለዉ,,,,,,12 ግዜ እንዳ ቆጸርና ከንፈቅድ ክጥዕመና ኣጻብዕትና ጌርና ኣቡነ ዘበሰማያት ምስ በሰላም ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ኢልና ኽንውድእ ከለና ሓንቲ ኣጻብዕትና እንዳ ጸቀጥና 12 ግዜ ነብጽሕ። 41 ኪራላይሶን ድማ 41ስግዳን ንሰግድ ማለት እዩ።

"ሰላም እግዝኣብሔር ኣምላክ ምስ ኩልና ይኩን ኣሜን"
ኣምላክና ጸምናን ጾሎትናን ተቀቢሉ ጾምና ባሪኩ ብሰላም ኣፈጺሙ ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ የብጽሓና ኣሜን።

ወስብሓት ለእግዝኣብሔር ልዑል
ወለ ወላዲቱ ድንግል
ወለ መስቀሉ ክቡር
ይኩን!
ኣሜን። ምንጪ፣fb

11/10/2023

‘’ንህንፀት ገዛና ንጉየ"
ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን ሕሙማት ኣእሙሮን ህፃናትን ፍሬሚናጦስ ብርክት ዝበሉ ህፃናት ኣዕቚቡ ዝርከብ ዘይመንግስታዊ ትካል እዩ።
እዚ ትካል ካብ እዋን ናብእዋን እናወሰኸ ዝመፀ ቁፅሪ ደለይቲ ሓገዝ ንምትእንጋድ ካብ መንግስቲ ትግራይ ልዕሊ 43 ሽሕ ካሬ ሜትር መሬት ዝተረከብ ኾይኑ ነዚ ንምህናፅ ድማ ዓብዪ ርብርብ እናተገበረ ይርከብ።ነዚ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ንህንፀት ገዛና ንጉየይ " ብዝብል ቴማ ማእኸል መሐገዚ ፍሬምናጦስ ንሕዳር 2/2016 ዓ/ም ንዝተለሞ ዓብይ ጉያ ኹላትና ኣብዚ ሰናይ ሓሳብ ዝተሓንገጠ ጉያ ንምስታፍ ንሰለፍ።"

09/28/2023

ዕለት 11/1/2016

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን !
“ኣልቦ እምቅድሜሁ ወኣልቦ እምድህሬሁ ዘከማሁ ከማሁ ማህሌታይ”
ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብ ሰከንድ ፡ደቓይቕ ፡ሰዓታት ፡ መዓልትታት፡ ሰሙናት
፡ ኣዋርሕን ዓመታትን ዕድመ ወሲኹ ናብ 8ይ ዓመት ምስረታ ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ
ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ንኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለኹም ኦርቶዶክሳውያን ተዋህዶ
ምእመናን እንኳዕ ኣብጸሐኩም ብምባል መንፈሳዊ ትምኒቱ እናገለጸ ፣ ፈቐድኡ መጽለሊ
ዝተዓቖቡ ወገናትና ናብ መረብቶም ዝምለስሉ ፡ ዝሓዘኑ ዝጸናንዕሉ ፡ ዝሓመሙ
ዝፍወስሉ ዘመነ ዮሃንስ 2016 ዓ/ም ይኹነልኩም ።
ማሕበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ 8 ዓመታት ብርክት ዝበሉ
መንፈሳዊ ስራሕቲ ንቤተ ክርስትያንን ንምእመናንን እናሓገዘ መጺኡ እዩ ። ንቐጻሊ እውን ካብቲ
ናይ መጀመርታ ዕላምኡ ብምብጋስ ፈለገ ሂወት መሰረት ገይሩ ፣ ቤተክርስትያን ካብ ልመና
እትላቐቐሉ ፣ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ዝሰነደሉ ፣ ስብከተ ወንጌል ዝሰፍሐሉ ፣ ናይ
ምስክር ጉባእያት ፣ ዝትከላሉ ምስ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ብምልዛብ ኣብ ዝሓጸረ
ዘመን ውጽኢታዊ ዝኾነ መንፈሳዊ ስራሕ ከም ዝምዝገብ ካብ ማሕበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ
ተዋህዶ ትግራይ ዕላማታትን ተግባራትን እዩ ።
ስለ ዝኾነ ናብዚ መንፈሳዊ ማሕበር ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ምእመን ኣባል ኮይኑ ሓጋዚ ቤተ
ክርስትያን ሓጋዚ ኣቦታትና ንኽትኮኑ በዚ ኣጋጣሚ መንፈሳዊ ጻዊዒት የቕርብ ። በቲ ህያው
ቃሉ ድማ “ ኀበ ሀለዉ ፪ቱ ወ፫ቱ ጉቡአን በስምየ ህየ እሄሉ ኣነ ማእሌሆሙ ።
ብስመይ ክልተን ሠለስተን ኮይኖም አብ ዝተኣከቡ ኣነ ኣብ ማእኸሎም አለኹ” ማቴ
18÷19 ብማለት መንፈሳዊ ሥራሕ ንምፍጻም ንምስራሕ ሕብረት ከም ዘድሊ ጎይታና
መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምሂሩና እዩ ። ብስም እግዚኣብሔር ብስም ቅዱሳን ኣብ
ሓደ እንተተጠርኒፍና ድማ ኩሉ ዓይነት ጸገም ቤተ ክርስትያንና ብእግዚኣብሔር ርዳእታ
ክንፈቶሖ ኢና ።
ስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ትግራይ
መቐለ ማእኸል

05/04/2022
02/18/2022

ምስጥር -----------------------ለካቲት

01/12/2022

ፅንዓትኩም ርአዮ

12/16/2021

መንግሥተ ሰማይ የዋርስኩም ክቡር ኣቦና

መምህር ትግራይን ትግርኛን

ኣቦ ትግርኛ ገላፂ መንነት
ኣመስጣሪ ባህሊ ሰባኺ እምነት
መኣዲ ፍልጠት ናይ ታሪኽ እንግዶት
~~~~~~~~~~~~~~~~~
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
መስትያት መንነት ብዕምቆት ዝምህሩ
መትከል ሓቂ ሒዞም ታሪኽ ዝቕምሩ
ስምና ከይሃስስ ባህልና ዝነግሩ
ኔሮሙና ኣቦ ዘመን ዝሳገሩ
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

ስምና ተቐቢሩ ባህልና ከይጠፍእ
ሳኣን ምስትውዓልና ታሪኽ ከይነላግዕ
ሰብ ዋና ከለና ከልእ ከይንፅውዕ
ምሂሮሙና ኣብ መድረኽና ክንዋሳእ
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ትግራይ ካበይ ምላሽ ካርታ ዘቐመጡ
ግዝኣት ኣክሱማውያን ታሪኽ ዝመስረቱ
ዛንታ ስባ ጋድስ ዝነግሩ ግዝኣቱ
ዘመን መሳፍንቲ ዘጉልሑ ዕምቆቱ
ኔረሙና መምህር ክብሪ ዘበርክቱ
~~~~~~~~~~~~~~~~~~
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ንውሉድ ዎለዶ ዝሳገር ቃላቶም
ገጻት ዘይኣኽሎ ስፍሓት ናይ ፍልጠቶም
ከም ነብያት ዝፍጸም ትምቢቶም
ከም ሃዋርያት ዘፅንዑ እምነቶም
~~~~~~~~~~~~~~~~~
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ይዕርፉ ኣቦና ኣብ ገነት ንበሩ
ይዕጢቕኩምና ኢኩም ፍልጠት
ብውሕሉል ምስጢሩ
ናትና ዩ ትግደ ብተግባር ምንጋሩ
እውን እኮ ጅግና ኣይነብርን ታሪኽ ዩ ኣሰሩ
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
By hadush wedi keshi

ንኣቦና መምህር ገብረኪዳን መንግስተ ሰማያት የዋርሶም እግዚአብሔር ብየማናይ ኢዱ ይቀበሎም
ንኩሉኩም ቤተሰቦምን ፎተውቶምን ፅንዓት ይሃብኩም

ጽንዓት ይሃብኪ ትግራይ

Address

San Francisco, CA
94122

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tesfu TgTg posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category